ሓበሬታ ነቶም ኣብ ሽወደን መርዓ ክትገብሩ ትደልዩ

ኣብ ውሽጢ ሽወደን ናይ መርዓ ስነስርዓት ማለት ንመጻምድትኻ ከም ሕጋዊ መጻምድቲ ክተመዝግብ ምስ እትደሊ፡ቅድሚ ናይ መርዓ ስነስርዓት ምግባርካ hindersprövning ዝባሃል ቅጥዒ ናብ ስካተቨርከት መሊእካ ክትልእኾ ትግደድ። hindersprövning ማለት ቅድሚ መርዓ ቤት ጽሕፈት ስካተቨርከት ምናልባት ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ከይከዉን፡እቶም መጻምድቲ ውን ናይ ቀረባ ኣዝማድ ከይኮኑን ወይ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ከም ዘይተመርዓኻ ኣረጋጊጹ ቃል ኪዳን ንኽትኣስር hindersprövning ዝበሃል ሰነድ ንኣርባዕተ ወርሒ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መረጋገጺ ምስ ተዋህበካ ኢኻ ኣብ ሽወደን ቃል ኪዳን ክትኣስር ዝፍቀደካ።ካብዞም ዝተጠቕሱ ዋላ ሓደ መምዘኒ እንተጉዲልካ ኣይፍቀደካን።

ክልቴኻ መጻምድቲ ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘለካ እንተኾይንካ ወይ ኣብ ሽወደን folkbokförda እንተኾይንካ፡ ansöka om hindersprövning blankett SKV 7880 ነዚ ሰነድ መልእካ ክልቴኻ ፈሪምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ስካተቨርከት ይለኣኽ።

ሓደ ካብ መጻምድቲ ጥራሕ ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ እንተኾይኑ ከኣ፡እቲ ኣብ ሽወደን ዘይነብር መጻምድቲ ናይ ግድን መንነቱ ማለት ብናይ ሃገሩ ፓስፖርት ሒዙ ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚግረሽን ተረኺቡ ከረጋግጽ ይግደድ። ንኣብነት ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይንካ ኣብ ሆላንድ ትነብር እንተኾይንካ እሞ መጻምድትኻ ኣብ ሽወደን ትነብር እንተኾይና እሞ ኣብ ሽወደን ቃል ኪዳን ክትኣስር እንተደሊኻ፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናይ ግድን ክህልወካ ትግደድ ማለት እዩ።

ብሃይማኖታዊ መንገዲ ኣብ ሽወደን ቃል ኪዳን ክትእስር ምስ እትደሊ ኸኣ እቲ ቃልኪዳን ዘእስረካ ዘሎ መራሒ ሃይማኖት ቃል ኪዳን ከእስር ከም ዝኽእል ፍቓድ ዘለዎ ክኸዉን ኣለዎ። ፍቓድ ዘይብሉ መራሒ ሃይማኖት ቃል ኪዳን እንተእሲሩኩም ከም ሕጋዉያን መጻምድቲ ብቤት ጽሕፈት ስካተቨርከት ተቐባልነት ዘይክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ስለዚ እቶም ፓስፖርት ናይ ሃገርኩም ዘይብልኩም እሞ እቲ መጻምድትኹም ካብ ካልእ ሃገር መጽዩ ኣብ ሽወደን ቃል ኪዳን ዝኣስር፡ናይ መጽስምድቲ ሕቶኹም ብመንግስቲ ተቐባልነት መታን ክህልዎ፡ ብሃይማኖታዊ መንገዲ ቃልኪዳን ክትኣስሩ ከለኹም፡ ዋላ ካብቲ ትነብርሉ ቦታ ራሕቂ ይሃልዎ፡ ናብቶም ቃል ኪዳን ንኸእስሩ ፍቓድ ዘለዎም መራሕቲ ሃይማኖት ኬድኩም ቃል ኪዳን ክትኣስሩ ይላቦ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *